Tramstrasse 10
8050 Zürich
ኣብቲ «ኣብ ዙሪክ ምንባር» ዝብል ኮርስ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ፡ ሕጋውን ባህላውን ጉዳያት ኣገዳሲ ኣፍልጦ ክተጥርያ ኢኽን። ብሓባር ብዛዕባ መዓልታዊ ጉዳያት ትዛተያን ሓደስቲ ርክባት ተፈጥራን። እቲ ኮርስ ነተን ቀዳማይ ቋንቋአን ጀርመን ዘይኮነ (ካብ B1) እዩ ዝውሃብ። እዚ ኮርስ ከም መዳለዊ ንምውሳድ ዜግነት ኮይኑ ከገልግል ይኽእል።
ቋንቋታት ኮርስ
ጀርመን፡ ኢንግሊሽ፡ ቋንቋ ስጳኛ፡ ቋንቋ ፖርቱጋል፡ ቋንቋ ቻይና፡ ቋንቋ ሩስያ፡ ቋንቋ ጃፓን፡ ጥልያን፡ ዓረብ፡ ትግርኛ
ተወሳኺ ቋንቋታት ከም ኣድላይነቱ
ትምህርቲ ዝጅምረሉ እዋን
መጀመርታ መጋቢትን መጀመርታ መስከረምን
ትምህርቲ ዝካየደሉ ግዜ
15 ግዜ ሮቡዕ ሮቡዕ ካብ ሰዓት 8.45 ክሳብ 11.15 (ብዘይካ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ናይ ቤት-ትምህርቲ)
ፕሮግራም ኮርስ
- ሓበሬታ ብዛዕባ ከተማ ዙሪክ
- ሕብረተሰብን ብዙሕነትን፡ ዘተ ብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝኣተኽናሉ እዋን
- ታሪኽ ጆግራፍን ፖለቲካን ናይ ስዊዘርላንድ
- ካንቶንን ከተማ ዙሪክን፡ ፖለቲካ፡ መሰላትን ኣገልግሎታትን
- ምብጻሕ ቤት-ጽሕፈት ከተማ ዙሪክ (Stadthaus)
- ስርዓተ ትምህርቲ ካንቶን ዙሪክ፡ ምትእስሳር ስራሕን ስድራቤታዊ ህይወትን
- ስርዓተ ትምህርቲ ስዊዘርላንድ: ናይ ምሉእ ዕድመ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ላዕለዋይ ትምህርትን
- ኣብ ስዊዘርላንድ ምስራሕ፡ ኣፍልጦ ዲፕሎማን ምድላይ ስራሕን
- ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት ኣብ ዙሪክን ናይ ተሳትፎ ዕድላትን፤ ምብጻሕ ማእከል ማሕበረሰብ (Gemeinschaftszentrum)
- ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ስዊዘርላንድ/ማሕበራዊ መድሕናት
- ፋይናንስ
- ምንባርን ጎረባብትን
- ኣከባቢ፡ ጎሓፍን ዳግመ-ምጥቃምን ፥ ዑደት
- ጥዕናን መድሕን ጥዕናን ኣብ ስዊዘርላንድ
- ዑደት ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት ጥንታዊ ከተማ ዙሪክ ፥ ኣብ ታሪኽ ዙሪክ ኣገደስቲ ደቂ ኣንስትዮ መን እየን ነይረን፧
- ገምጋም ኮርስን ናይ መዛዘሚ መደብን
ፕሮግራም ክቕየር ይኽእል እዩ።
ክፍሊት
- ኣብ ከተማ ዙሪክ ንዝነብራ ተሳተፍቲ፥ 60 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 30 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት
- ኣብ ከተማ ዙሪክ ንዝነብራ ኩልቱርሌጊ (KulturLegi) ንዘለወን ተሳተፍቲ፥ 20 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 10 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት
- ካብ ከተማ ዙሪክ ወጻኢ ንዝነብራ ተሳተፍቲ፥ 320 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 90 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት
ኣስተውዕሊ፥
እቲ ትምህርቲ ከከም ዝካየደሉ ቋንቋ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ቦታታት ይካየድ።
ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት፥ 3 መሰከረም 2025
- ኣብ ኦርሊኮን፡ ኣብ ትራምሽትራስ 10 (Tramstrasse 10) ኣብ ክፍልታት ቤት-ትምህርቲ ኤካፕ (ECAP) ጀርመን፡ ኢንግሊሽ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ቋንቋ ቻይና፡ ቋንቋ ፖርቱጋል
- ኣብ ማእከል ከተማ ዙሪክ ኣብ ካርል ደር ግሮሰ (Karl der Grosse) ኪርኽጋሰ 14: (Kirchgasse 14): ኢንግሊሽ፡ ቋንቋ ስጳኛ፡ ቋንቋ ሩስያ፡ ቋንቋ ጃፓን፡ ቋንቋ ታይላንድ
ኣገልግሎት ምእላይ ህጻናት
ኣገልግሎት ምእላይ ህጻናት ኣብ ኦርሊኮን ኣብ Welchogasse 6 (ቬልኾጋሰ 6) (ፌርማታ ሽቴርነን ኦርሊኮን: Sternen Oerlikon) ኣብ ማእከል ከተማ ዙሪክ ንዝካየድ ትምህርቲ ኣገልግሎት ምእላይ ህጻናት የለን።