Global Navigation

ኮርስ «ኣብ ዙሪክ ምንባር» (In Zürich leben)

ንደቂ-ኣንስትዮ ዝውሃብ ኮርስ ብቋንቋ ትግርኛ

ኣካየድቲ ኮርስን ተሳተፍትን ብቛንቌአን ብዛዕባ እቲ ኮርስ ይዛረባ። ናይቲ ዘረባ/ትሕዝቶ ትርጉም ብትግርኛ ክትመረጽ ይክኣል እዩ።። (ኣፍራዪት ፊልም፥ ጂኒ ኪም)

ኣብቲ «ኣብ ዙሪክ ምንባር» ዝብል ኮርስ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ፡ ሕጋውን ባህላውን ጉዳያት ኣገዳሲ ኣፍልጦ ክተጥርያ ኢኽን። ብሓባር ብዛዕባ መዓልታዊ ጉዳያት ትዛተያን ሓደስቲ ርክባት ተፈጥራን።። እቲ ኮርስ ነተን ቀዳማይ ቋንቋአን ጀርመን ዘይኮነ (ካብ B1) እዩ ዝውሃብ። እዚ ኮርስ ከም መዳለዊ  ንምውሳድ ዜግነት ኮይኑ ከገልግል ይኽእል።

ኮርስ ዝጅምረሉ እዋን

ኮርስ ኩል ግዜ ኣብ መጀመርታ መስከረምን መጀመርታ መጋቢትን ይጅምር። ዝቕጽል ኮርስ ዕለት  6መጋቢት 2024 ክጅምር እዩ።

ኣገልግሎት ምትሓዝ ቆልዑ ኣሎ።

ንውሓት ግዜ ናይ ኮርስ

15/16 ግዜ ሰሙናዊ ሮቡዕ ንግሆ (ዝተፈላለየ ኣርእስቲ) ሰዓት 8.45 ክሳብ 11.15 Uhr

ፕሮግራም ኮርስ

1.    ሓበሬታ ብዛዕባ ከተማ ዙሪክ

2.    ሕብረተሰብን ብዙሕነትን፡ ዘተ ብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝኣተኽናሉ እዋን

3.    ታሪኽ ጆግራፍን ፖለቲካን ናይ ስዊዘርላንድ

4.    ካንቶንን ከተማ ዙሪክን፡ ፖለቲካ፡ መሰላትን ኣገልግሎታትን

5.    ምብጻሕ ቤት-ጽሕፈት ከተማ ዙሪክ (Stadthaus)

6.    ስርዓተ ትምህርቲ ካንቶን ዙሪክ፡ ምትእስሳር ስራሕን ስድራቤታዊ ህይወትን

7.    ስርዓተ ትምህርቲ ስዊዘርላንድ: ናይ ምሉእ ዕድመ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ላዕለዋይ ትምህርትን

8.    ኣብ ስዊዘርላንድ ምስራሕ፡ ኣፍልጦ ዲፕሎማን ምድላይ ስራሕን

9.    ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት ኣብ ዙሪክን ናይ ተሳትፎ ዕድላትን፤ ምብጻሕ ማእከል ማሕበረሰብ (Gemeinschaftszentrum)

10.    ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ስዊዘርላንድ/ማሕበራዊ መድሕናት

11.    ፋይናንስ

12.    ምንባርን ጎረባብትን

13.    ኣከባቢ፡ ጎሓፍን ዳግመ-ምጥቃምን ፥ ዑደት

14.    ጥዕናን መድሕን ጥዕናን ኣብ ስዊዘርላንድ

15.    ዑደት ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት ጥንታዊ ከተማ ዙሪክ ፥ ኣብ ታሪኽ ዙሪክ ኣገደስቲ ደቂ ኣንስትዮ መን እየን ነይረን፧

16.    ገምጋም ኮርስን ናይ መዛዘሚ መደብን

ፕሮግራም ክቕየር ይኽእል እዩ።

ክፍሊት

ኣብ ከተማ ዙሪክ ንዝነብራ ተሳተፍቲ፥ 60 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 30 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት

ኣብ ከተማ ዙሪክ ንዝነብራ ኩልቱርሌጊ (KulturLegi) ንዘለወን ተሳተፍቲ፥ 20 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 10 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት

ካብ ከተማ ዙሪክ ወጻኢ ንዝነብራ ተሳተፍቲ፥ 320 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 90 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት

ምዝገባ

ተወሳኺ ሓበሬታ

Weitere Informationen