Global Navigation

ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቲ

ንትምህርቲ ብዝምልከት ሕቶ ኣሎኩም`ዶ፧ ናይ ቤት\ትምህርቲ ወሃብቲ ምኽሪ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ደስ እንዳበሎም ክሕግዙኹም ቅሩባት እዩም። ደውሉ ወይ ብቋንቋኹም ኣብ ዝወሃብ ናይ ሓበሬታ መደባት ተሳተፉ።

ምኽሪ ብተለፎን
Okaab Tesfaramiam
Meaza Gebrhiwet

ssd-sb-tigrinya@zuerich.ch
Erreichbarkeit
Mittwoch, 17.00–19.00 Uhr

ስርዓተ ትምህርትን ምጅማር ትምህርትን

ስርዓተ ትምህርቲ

ኩሎም ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቘልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኮይኑ፡ እቲ ትምህርቲ ከኣ ብናጻ ኢዩ። ንኽልተ ዓመት ኣብ ኣዚለ ክፍሊ ድሕሪ ምምሃሮም ናብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ይሰጋገሩ። ግዴታዊ ትምህርቲ ብድምር 11 ዓመት እዩ ዚወስድ ።

ኩሎም ተማሃሮ ሻዱሻይ ክፍሊ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ንዝቕጽል ሰለስተ ዓመት ናይ ካላኣይ ደረጃ ትምህርቶም ይመሃሩ። ነዚ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ጊምናዝዩም ቤት ትምህርቲ ይዛዝምዎ። እቶም ቈልዑ ናብቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ጊምናዝዩም ቤት ትምህርቲ ምእንቲ ክኣትው ነቲ ናይ መእተዊ መርመራ ክሓልፉ ኣለዎም።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኩሎም መንእሰያት ንናይ መጻኢሞያዊ ትምህርቶም ምድላዋት ይገብሩ። ዝተፈላለዩ ዓይነት ሞያታት ብምልላይ ነቲ ናይ ግዴታዊ ትምህርቲ ግዚኦም መዛዘሚ ንዝኾነ ሞያዊ ትምህርቲ ይዳለዉ። ብዙሓት ተማሃሮ ብሓገዝ መምህራን ኣብ እዋን ትምህርቲ ኣብ ሓንቲ ኩባንያ ናይ ሞያዊ ትምህርቲ ስልጠና የናድዩ። እቶም ናይ ሞያዊ ትምህርቲ ስልጠና ዝገብሩ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሞያ ይመሃሩ ውሑድ ደሞዝ ድማ ይኽፈሎም። ካልኦት መንእሰያት ከኣ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክቕጽሉ ይደልዩ ናብ ቤት ትምህርቲ ሓጺር ጊምናዝዩም ወይ ናብ ተክኒካል ቤት ትምህርቲ ንኺኣትዉ ነቲ ፈተና ንኽሓልፉ ድማ ይዳለዉ። እዚ ከኣ ካላኣይ ወይ ቅድሚ ሳልሳይ ክፋል ናይ ካላኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክግበር ይከኣል ኢዩ።

እዞም መንእሰያት ናይ መጻኢ ሞያኦም ኪመርጹ ኸለዉ፣ ናይ ወለዶም ደገፍ የድልዮም እዩ። ኣብዚ ብምጥዋቕ ሓበሬታ ብዛዕባ ሞያዊ ስልጠና ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ንረክብ። ኣብዚ ብምጥዋቕ ናይ ወለዲ ሰሚናር ብዛዕባ ሞያዊ ምርጫ ከተማ ዙሪኽ ንምርጫ ሞያዊ ትምህርቲ ንወለዲ እተዳልዉ ናይ ሓበሬታ መደባት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንረክብ።.

ምጅማር ትምህርቲ

ድሮ ኣብ ከተማ ዙሪኽ ትቕመጡ እንተ ኮይንኩም ውሉድኩም ክሳዕ 31 ሓምለ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት እንተድኣ ዀይኑ፣ ዋላ ሓንቲ ኽትገብሩር ኣየድልየኩምን ኢዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ኣዚለ ክፍሊ ምጅማሩ ምሳኹም ርክብ ክንገብር ኢና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናብ ዙሪኽ ግዒዝኩም ኣድራሻኹም እንተ ኣመዝጊብክም ብዛዕባ ናይ ውሉድኩም ቤት ትምህርቲ ዚህቦ ኣመዳድባ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽንህበኩም ኢና። ኣድራሻኹም ኣብ ኢንተርነት ብምሃብ እቲ ንደቅኹም ሃላፍነት ዝወስድ በዓል ስልጣን ቤት ትምህርቲ ክትረኽቡዎ ትኽሉ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ባዕልኹም ክትራኸቡ ትኽእሉ።

ምሕደራ ናይ ቤት ትምህርቲ

ሰዓታት ትምህርቲ

እቲ ትምህርቲ ኣብ ሓሙሽተ ንግሆ ከከም ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸኣ ካብ ክልተ ኽሳዕ ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ዚወሃብ ። ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይ ኣዚለ ክፍሊ ድሕሪ ቐትሪ ዚወሃብ ትምህርቲ የልቦን። እቶም ቈልዑ ኣብ ግዜ ምሳሕ ወይ ናብ ቤቶም ይኸዱ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይጸንሑ። ወለዲ በቲ ወርሓዊ ዶሞዞም ተገሚቱ ዋጋ ናይ መግብን መውዓልን ናይ ውልዶም ይኸፍሉ።

መትሓዚ ቆልዑ ካብ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ወጻኢ

ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩን ድሕሪ ትምህርቲ ምውድኡን ኣብያተ ትምህርቲ መትሓዚ ቆልዑ ኣልዎም። እቲ መትሓዚ ቆልዑ ይኽፈሎ እዩ። ብዛዕባ ዝተፈላየዩ ቀረባትን ከምኡ`ውን ወጻኢታቶም ሓፈሻዊ መብርሂ ኣብዚ ኣቲኩም ርኸቡ። ወለዲ ሓገዝ ናይ መንግስቲ ንኽሓቱ ከምልክቱ ኣለዎም ከምኡ`ውን ከከም ደሞዞምን ሃብቶምን ተገምጊሙ ምጉዳል ዝተገብረሉ ክፍሊት ይኸፍሉ። ንናይ መጀመርታ ግዜ ምዝገባ ኣብ ናይ መትሓዚ ቆልዑ (ማለት ሆርት) ግድን ፎርም ክትመልኡ ኣለኩም። ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብዛዕባ መትሓዚ ቆልዑ ብጀርመን ጥራይ ይርከብ።

ናይ መዓልታዊ ትምህርቲ

ኣብ ናይ መዓልቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ካብ 2ይ ዓመት ኣዚሎ ክፍሊ ንላዕሊ ዘለዉ፣ ኣብተን ናይ ኣጋምሸተት ትምህርቲ ዘለዎም መዓልታት ፋዱስ ኣብ ትምህርቲ ይጸንሑ። ተምሃሮ ምዉቅ ምሳሕ ይወሃቡ ከምኡ`ውን ብሰብ ሞያ ይሕለዉ። ኣብ ርእሲ ናይ ምሳሕ፣ ኣብ መዓልታዊ ትምህርቲ ውላድካ ኣብ መትሕዚ ቆልዑ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩን ድሕሪ ትምህርቲ ምውድኡን ከተመዝግቦ ይከኣል እዩ። 

ትምህርቲ

ውጥን ስርዓተ ትምህርቲ

ኣብ ስዊዝ ሃገራዊ ዝኾነ ውጥን ስርዓተ ትምህርቲ የልቦን። ኣብ ካንቶን ዙሪኽ ውጥን ስርዓተ ትምህርቲ ናይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ካንቶን ዙሪኽ ኣሎ። ውጥን ስርዓት ትምህርቲ፣ ዓይነታት ትምህርትን ክእለት ብቅዓታቶምን፣ ናይ ህዝባዊ ትምህርቲ ተሃኒጾም ከም ዘለዉ ይገልጽ። 

ቋንቋ ጀርመን ከም ካልኣይ ቋንቋ

ውላድኩም ቋንቋ ጀርመን ሓድሽ ኣብ ምምሃር እንተሎ ወይ ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ዘድልዮ፣ ቋንቋ ጀርመን ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃቦ እዩ። እዚ ትምህርቲ ብነጻ እዩ ከምኡ`ውን ኣብ ትምህርቲ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት፣ ኣብ ክፍሎም ይወሃቦም። ተወሳኺ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝወሃብ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ዞባዊ ህዝባዊ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኣቲኹም ትረኽቡ።

ትምህርቲ ቋንቋ ዓድኹም (HSK)

ውላድኩም ኣብ ናይ ትምህርቲ ቋንቋ ዓድኹምን ክእለት ቀዳማይ ቋንቁኡ ከማዕብል ይኽእል። ተሳትፎ ብወላንታ ኮይኑ፣ እንተኾነ ግን ደቅኹም ንኸተሳትፍዎም ንላበወኩም። እቲ ቀረብ ንልዕሊ 25 ቋንቋታትን ብዝተፈላለዩ ትካላትን ተቀሪቡ ኣሎ። ውላድኩም ብኦንላይን ከተመዝግብዎ ትኽእሉ።

ዓይነት ትምህርቲ «ሃይማኖት፣ ባህሊ፣ ስነ-ምግባር»

እዚ ትምህርቲ ኣብ ዓይነት ትምህርቲ «ሃይማኖት፣ ባህሊ፣ ስነ-ምግባር» ዝወሃብ፣ ኩሎም ተምሃሮ ከምዝሳተፉ ተገሩ ዝተዳለወ እዩ፣ ብዘየገድስ እቶም ተምሃሮ ካብይ መጺኦም እንታይ ዓይነት ሃይማኖት ኣለዎም።  ኣብዚ እቲ ናይ እምነትን ሕልናን ናጽነት ይኸበር። እዚ ዓይነት ትምህርቲ «ሃይማኖት፣ ባህሊ፣ ስነ-ምግባር» ግደታ እዩ።

ነጥብን ግምገማን

ኣብ ኣዚሎ ክፍልን ቀዳማይ ክፍልን ነጥቢ ኣይወሃቦምን እዩ፣ እንታይ ደኣ ናይ ወለዲ ዝርርብ ይግበር፣ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ምዕባለ ናይ ውላድኩም ዘተኮረ ዝርርብ ትገብሩ። ኣብተን ድሒረን ዝመጻ ክፍልታት፣ ተምሃሮ ኣብ ወርሒ የካቲትን ሓምለን (መወዳእታ ዓመት) ነጥቢ ኣብ መንጎ 1ን 6ን ይወሃቦም። 1 እቲ ዝተሓተ ነጥቢ እዩ ከምኡ`ድማ 6 እቲ ዝለዓለ ነጥቢ እዩ። ነጥቢ 4 እኹል መሕለፊ ነጥቢ እዩ። ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ገምጋም ናይ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ዞባዊ ህዝባዊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቲኹም ትረኽብዎ። 

ፍሉይ ሓገዝ

ነቶም ፍሉይ ተውህቦ ንዘለዎም ወይ ኣጸጋሚ ናይ ምምሃርን ጠባይን ቅድመ ኩነት ንዘለዎም ተምሃሮ፣ ዝተፈላለየ ናይ ሓገዝ ቀረባት ኣለዎም

ከከም ኣድላይነቱ ተራፒ ከም Psychomotorik ወይ Logopädie ትምህርቲ ንኽመሃሩ ይግበረሎም። 

ጥዕናን ማሕበራዊ ዕዮ ቤት ትምህርትን

ጥዕናን ምክልኻላን

ናይ ቤት ትምህርት ኣገልግሎት ጥዕና ከተማ ዙሪኽ በቲ ዘለዎ ቀረባት ናይ ሕክምና፣ ስነ-እእምሮ፣ ናይ ስኒ ሕክምና ከምኡ`ውን ምክልኻል ወልፊ ብምቅራብ፣ ጥዕናዊ ዕብየት ተምሃሮ ይሕግዝ። ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ምስ ክኢላታት ኣብያተ ጽሕፈትና ክትራኸቡ ትኽእሉ።

ናይ ስኒ ጥዕና

በሓፈሻ ናይ ጥዕና ኣርእስትታት

ናይ ምምሃርን ናይ ጠባይን ጸገማት

ናይ ወልፊ ጸገማት

ማሕበራዊ ዕዮ ቤት ትምህርቲ

ማሕበራዊ ዕዩ ቤት ትምህርቲ ቀጥታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይርከብ ከምኡ`ውን ዕላምኡ፣ ኣብ ቘልዑን፣ መንእሰያትን ወለዲን፣ ሰራሕተኛታትን እቲ ቤት ትምህርቲ ዘተኰረ ኢዩ።.ማሕበራዊ ዕዩ ቤት ትምህርቲ ሕቶታት ከምኡ`ውን ጸገማት ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ስድራቤት ምስ ዝህሉ ይሕግዝን ይመክርን።

Weitere Informationen